Radio Erena: 20 June 2019
20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።

ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ደምበታት ተኸፋፊሉ ነዛ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብኽብሪ እትዝከር ዕለት ዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፣ ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ጋህዲ ንምግባር ዝሓለፉ ሰማእታት ደቁ ራእዮም ንምትግባር ቃል ዝኣትዉላ ዕለት’ውን ምዃና መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ብፍላይ ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ኤርትራውያን፣ ጀጋኑ ሰማእታት ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ዝዝክሮም ዘይኮነስ፣ ነታ ዝወደቑላ ደሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ክውንቲ ብምግባር ጥራይ ከምዝድበሱ ኣዘኻኺሮም።

ዓመት መጸ ከባቢ 20 ሰነ ጥራይ ከም ዜና ዝቐርብ ንስድራቤት ስስዉኣት ብመንግስቲ ዝወሃብ ረዲኤት ምዝኽኻር ዘይኮነ፣ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ፣ ስድራቤት ስዉኣት እውን ከም ኩሉ ኤርትራዊ መስገደል መነባብሮ ሃገር ኣስካሕኪሑዎም ብበረኻታትን ባሕርን ሰጊሮም ናብ ስደት ዘቋምቱሉ ዘለዉ እዋን ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ሰማእታት ኤርትራ፣ ሓደ ውልቀሰብ ንምልእቲ ሃገር ከም ናይ ውልቁ ትካል ከመሓድራ ኢሎም ዘይኮነ፣ ብሕግን ርትዒን እትመሓደር፣ ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ዝረኣየላ ሓንትን ብልጽግትን ኤርትራ ንምምጻእ ከምዝሓለፉ ብምዝኽኻር ከኣ እቶም ደለይቲ ለውጢ፣ ኣብ ኤርትራ እዚ ራእይ’ዚ ክሳብ ዝትግበር ቃልሶም ኣበርቲዖም ክቕጽልዎ ምዃኖም ይገልጹ።

እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታት፣ ብውልቅ ብእኩብን ናይ ሽምዓ ምሸት ብምድላው፣ ‘ሕድሪ ሰማእታትና ክሳብ ነተግብር ኣይክንድቅስን ኢና’ ክብሉ ቃል ኣትዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0