ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 131 ስደተኛታት ናብ ኒጀር ግዒዞም

Radio Erena: 21 June 2019

ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 131 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብሓገዝ ተጸዋዒ ስደተኛታት ናብ ኒጀር ግዒዞም።

እዞም ኣህጉራዊ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት 20 ሰነ ካብ ሊብያ ዝወጹ ስደተኛታት፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማልን ሱዳንን እዮም።

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ኣብ ቤት ማእሰርትን መዳጎኒ መዓስከራትን ተቐዪዶም ዝጸንሑ እቶም ስደተኛታት፣ 64 ትሕቲ ዕድመን ህጻናትን ይርከብዎም።

ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ስደተኛታት ናብ ኒጀር ምግዓዞም ከም ቀሊል ዝረኣይ ይምሰል ደኣምበር፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ንህወቶም ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ስለዝነበሩ፣ ብዉሑዱ ብሰላም ክድቅሱ ምኽኣሎም እውን ዕግበት ይስመዓና’ዩ ኢሉ።

ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ፣ ኣብ ሊብያ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ 711 ናብ ኒጀር፣ 295 ናብ ኢጣልያ፣ 291 ከኣ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ካናዳን ከምዘጣየሰ ይገልጽ።

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንዘሕልፍዎ ዘለዉ መከራን ሓደገኛ ህይወትን ብምግላጽ፣ ብቪድዮን ድምጽን ዝተቐርጸ ናይ ርድኡና መልእኽታቶም ብተደጋጋሚ ከመሓላልፉ ምጽንሖም ዝዝከር’ዩ።

ልዕሊ 3,800 ስደተኛታት ገና ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘለዉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0