ገደም ፋብሪካ ሰሜንቶ ብቻይናዊ ኩባንያ ክመሓደር’ዩ

ገደም ፋብሪካ ሰሜንቶ ብቻይናዊ ኩባንያ ክመሓደር’ዩ

Radio Erena: January 23, 2014

 

Gedem cemen

ብሰንኪ ዋሕዲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ፍርያቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጎደለ ዝመጸ ገደም ፋብሪካ ሰሜንቶ፣ ብቻይናዊ ኩባንያ ህንጻ ‘ሰፍኮ’ ክመሓደር ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ ጥቕምቲ 2008 ኣብ መንጎ ቻይናን ኤርትራን ድሕሪ ዝተከተመ ስምምዕ ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ካብ መጀመርያ ኣዋርሕ 2011 ኣትሒዙ ፍርያቱ ንዕዳጋ ከቕርብ ጸኒሑ።

እቲ ኣብ መንጎ ሕርጊጎን ወደብ ባጽዕን ኣብ ዝርከብ ገደም ዝተባህለ ቦታ ዝተሃንጸ ፋብሪካ፣ መዓልታዊ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ኩንታል ሰሜንቶ ከፍሪ ትጽቢት እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ግና ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ፍርያቱ ብትሕቲ ፍርቂ’ዩ ጎዲሉ።

 

ገደም ፋብሪካ ሰሜንቶ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ልቓሕ፣ ‘ቻይና ኒው ኢራ ኢንተርናሽናል ኢንጂነሪንግ ኮርፐረሽን’ ብዝተባህለ ኩባንያ ከምዝተሃንጸ ይፍለጥ።

ንብቕዓትን ዓቕምን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሕርጊጎ ንምዕባይ ዝሰርሕ ዘሎ ቻይናዊ ኩባንያ ‘ሰፍኮ’፣ ነዚ ካብ ዝህነጽ ኣብ ክልተ ዓመቱ ፍርያቱ ብልዕሊ ፍርቒ ዘንቖልቖለ ገደም ፋብሪካ ሴሜንቶ’ውን ከመሓድር ሓላፍነት ተዋሂብዎ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ቻይና ዝኾነ ኩባንያ ‘ሰፍኮ’፣ ብዘይካ’ዚ ንፕሮጀክት ዕደና ቢሻ’ውን ንምዕዳጉ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ፣ ንልምዓት ሃገርን ንሰደድን ዝጠመተ ገደም ፋብሪካ ሰሜንቶ ካብ ዝሰርሑ ኣስታት 280 ሰራሕተኛታት እቶም ኣስታት 200 ሚእቲ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኖም’ውን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0