ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ብውሕዱ 90 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ጥሒሎም

Radio Erena: 04 April 2022

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ኣስታት 90 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ከምዝጠሓሉ ሓካይም ብዘይ ዶብ ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ግብረ ሰናይ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝጸዓነት ጃልባ፣ ብ02 ሚያዝያ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ’ያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ጥሒላ።

ዛጊት ናይ ኣስታት 90 ሰባት ሬሳ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ጸንበለል እናበለ ተረኺቡ ኣሎ።

ዜግነት ናይዞም ግዳያት ሓደጋ ባሕሪ ዝኾኑ ሰባት ኣይተፈልጠን።

ቲቪ ራይ 1 ዝተብሃለት መደበር ቴሌቪዥን ኢጣልያ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ብወገና፣ ካብቲ ሓደጋ ምጥሓል ዝደሓኑ 4 ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣለግሪያ 1 ብዝተባህለት ናይ ንግዲ መርከብ ክድሕኑ ከምዝኸኣሉ ኣፍሊጣ።

እንተኾነ፣ ሰራሕተኛታት እታ መረከብ ነቶም ካብ ናይ ሞት ሓደጋ ዝደሓኑ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሊብያ ምምላሶም እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ወቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ብጃልባ ዝተበግሱ ኣስታት 70 ሓተቲ ዑቕባ ደሃዮም ከምዝጠፍአ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት – IOM ምግላጹ ኣይርሳዕን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0