ጅቡቲ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ሶማል ከተዋፍር’ያ

ጅቡቲ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ሶማል ከተዋፍር’ያ

Radio Erena: 17 July, 2014

Dj

ጅቡቲ ናብ ሶማል ተወሳኺ ሰራዊት ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።

ጅቡቲ፣ ምስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጸንበረ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ሕጂ ዝልኣኽ ተወሳኺ ኣስታት 900 ሰራዊት’ውን፣ ነቲ ኣብ ዞባ ሒራን፣ ኣብ በለድወይን ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊታ ንምጥንኻር ዝዓለም ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ሓቢሩ

ጅብቲ፣ ነቲ ኣብ ሶማል ኣዋፊራቶ ዘላ ሰራዊት፣ ካብ ሓያሎ ሃገራት ናይ ዕጥቕን ስንቕን ካልእ ሎጂስቲካዊ ደገፍን ትረኽበሉ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

 

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ታሪኽ ጅብቲ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዝነበሮም ካብ ዝተጠርጠሩ 15 ሰባት፣ ሓሙሽተ ኣብ ጅቡቲ፣ ሽዱሽተ ድማ ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ሶማሊላንድ ዝተታሕዚ ጥርጡራት ናብ መንግስቲ ጅቡቲ ክርከቡ እንከለዉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ክልተ ጥርጡራት ከተረክቦ ድማ መንግስቲ ጅቡቲ ሓቲቱ ኣሎ።

======================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0