ጅቡቲ፣ ኣብ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ዝዋፈሩ 30 ሓካይም ናብ ሶማል ልኢኻ

ጅቡቲ፣ ኣብ ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ዝዋፈሩ 30 ሓካይም ናብ ሶማል ልኢኻ

Radio Erena: 18 October 2017

Djibouti Doctors

ጅቡቲ፣ ኣብ ሶማል ንዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝተጎድኡ ሶማላውያን ንምሕጋዝ 30 ሓካይም ናብ ሃገር ከምዝልኣኸት ተሓቢሩ።

እቶም ካብ 16 ጥቅምቲ ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ተዋፊሮም ዘለዉ ጅቡታውያን ሓካይም፣ ኣብቲ ብግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሶማላውያን ተዓቝቦምሉ ዘለዉ ሆስፒታል ኣብ ህጹጽ ረድኤት ተዋፊሮም ይርከቡ።

መንግስቲ ጅቡቲ፣ እቲ እባ ጎረቤት ሃገር ሶማል ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘሕዘኖ ብምግላጽ፣ ኣብ ጎኒ መንግስትን ህብዝን እታ ሃገር ደው ኢሉ ከምዘሎ ንምርግጋጽ’ዩ 30 ሓካይም ናብ ሃገር ልኢኹ።

ካብ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብዚ ናይ ሶማል መጥቃዕቲ ህጹጽ ሓገዝ ንምብርካት ዝወፈረት እንጆ ሃገር ጅቡቲ ጥራይ’ያ።

ቀጠር’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ብምውሳድ፣ ኣብ ህጹጽ ሕክምና ዘገልግል ናውትን መድሃኒታትን ብሓገዝስ ለጊሳ።

ኣቐዲማ’ውን ቱርኪ፣ ብህጹጽ ረድኤት ዝዋፈሩ ሰብ ሞያ ሕክምናን መድሃኒታትን ናብታ ሃገር ልኢኻ’ያ።

ብዘይካ’ዚ ቱርኪ፣ ኣዝዮም ንዝተወጽዑ ልዑል ሕክምናዊ ሓገዝ ንዘድልዮምን 30 ሶማላውያን ናብ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣግዒዛቶም ኣላ።

ኣብ ሶማል፣ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝኸበድ ምዃኑ ዝተገልጸ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብኦም ንኣስታት 500 ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ሞትን መቁሰልትን ጌርዩ’ዩ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የለን።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0