ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዘይካየዳ ኤርትራ፣ ዜጋታት ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ምርጫ ኣምሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ከባቢታት ክሳተፉ ይግደዱ

ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዘይካየዳ ኤርትራ፣ ዜጋታት ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ምርጫ ኣምሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ከባቢታት ክሳተፉ ይግደዱ

Radio Erena: 18 October 2017

Election

ሃገራዊ ምርጫ ከምዘየካየድ ብወግዒ ዘረጋገጸ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዜጋታት ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ምርጫ ኣምሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ከባቢታት ክሳተፉ ኣገዲዱ።

እቲ ኣብ ዞባ ማእከል፣ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝተኻየ ምርጫ፣ ነበርቲ ዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት፣ ኣብቲ ምርጫ እንተዘይተሳቲፎም ናይ ኩፖንን ካልእ ምምሕዳራዊ ኣግልግሎታትን ክእገዱ ምዃኖም’ዩ ተሓቢርዎም።

ሓደ ዜጋ ኣብ ናይ ኣብ ምርጫ ክሳተፍ፣ ወከልቲ ክመርጽ ወይ’ውን ተመራጺ ኮይኑ ክቐርብ መሰል ደኣ’ምበር ግዴታ ዘይኮነ ክነሱ፣ እሞ ድማ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ምርጫታት ንህዝቢ ክሳተፉ ከገድድ ኣብ ኤርትራ እዚ ንመጀመርያ እዋን ኣይኮነን።

ብኣመሓደርትን ኣካያድቲ ስራሕን ከባቢታት ዝዕመም ወሳኒ ጉዳያት ዘየለ ክነሱ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዴሞክራስያዊ መስርሕ ምርጫ ነካይድ ኣሎና እናበለ፣ ንህዝቢ ኣብተን ናይ ዕረፍቱ መዓልታት ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ሪጋን መሳርዕን፣ ኣውዒልዎ ክብሉ ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ዝተወከሰቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ምርጫ ተሓሪሙ፣ ኣብ ናይ ቀንጠመንጢ ምርጫታት ከባቢ ክደክምን ክሃልኽን’ዩ ተፈሪድዎ ክብሉ’ውን ደምዲሞም።

ኤርትራ፣ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ትካላዊ-ቅዋማዊ መንግስቲ ካብ ዘይብለን ሒደት ሃገራት ዓለም ኮይና፣ ኣብ ታሪኻ መራሒ ሃገር ንምትካእ ዝተኻየደ መስርሕ ምርጫ’ውን ኣስተማቖራ ኣይትፈልጥን።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0