ጃፓን፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ መኮነን ኣምባሳደር ኣብ ጂቡቲ ክኸውን መዚዛ

Radio Erena: 14 September 2020

 

ጃፓን፣ ሓላፊ ወትሃደራዊ ስለያ ንዝነበረ ላዕለዋይ መኮነን፣ ኣምባሳደር ኣብ ጂቡቲ ክኸውን መዚዛቶ።

እታ ሃገር፣ ነዚ ዝበዝሐ ዕድሚኡ ኣብ ውትህድርና ዘሕለፈ ኣብ ክሊ ዕድመ 60 ታት ዝርከብ ኡምዮ ኦስቱካ፣ ኣምባሳደር ኣብ ጂቡቲ ክኽውን ዝመደበትሉ ምኽንያት፣ ንምንቅስቓስ ቻይና ናብቲ ዞባ ኣብ ግምት ዘእተወ ስትራቴጃዊ ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ተንተንቲ ኣረዲኦም።

ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር፣ ንመዝነት እቲ ወትሃደራዊ መኮነን ናብ ኣምባሳደር ጂቡቲ ምሉእ ደገፉ ከምዝሃበሉ ማዕከናት ዜና ካብ ቶክዮ ኣቃሊሐን።

“ዕላማ ናይቲ ናብ ጂቡቲ ዝዋፈር ወትሃደራዊ ሓይሊ ጃፓን፣ ብግቡእ ዝርዳእ ኣምባሳደር ምምዳብ ኣገዳሲ’ዩ” ክብል ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ታሮ ኮኖ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

ጃፓን፣ ኣብ ጂቡቲ ዝጸንሓ ንኡስ ወትሃደራዊ ሓይሊ፣ ከተዕብዮን ምስ ካልኦት መሻርኽታ ብሓባር ንምስራሕ ድማ ትንቀሳቐስ ከምዘላን ወትሃደራውያን ምንጭታት ይእምቱ።

እዚ ናይ ጃፓን ተበግሶታት፣ ግብረ መልሲ ናይቲ መተሃላልኽታ ዝኾነት ቻይና ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ናይ ምስፋሕ ወፍሪ’ዩ።

ኣመሪካ’ውን ነዚ ናይ ቻይና ወፍሪ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራታ ንምጽጋንን ንምስፋሕን KBR ምስ ዝተባህለ ናይ ኣመሪካ ትካል ህንጻ ናይ ልዕሊ 70 ሚልዮን ዶላር ስምምዕ ምኽታማ ኣቐዲሙ ተቓሊሑ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0