ጂቡታዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣባል እታ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንምሽምጋል እትንቀሳቐስ ዘላ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመዚዙ

Radio Erena: 14 February 2022

ኣምባሳደር ጂቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረን ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ እታ ሃገርን፣ መሓመድ እድሪስ ፋራሕ፣ ኣባል እታ፣ ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፣ ኦሉሲጉን ኦባሳንጆ እትምራሕ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንምሽምጋል እትንቀሳቐስ ዘላ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመዚዙ።

እቲ ድሒሩ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከምዘገልገለ ዝተገልጸ ኣምባሳደር፣ ኣባል እታ ናይ ሽምግልና ጉጅለ ክኸውን ብፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ዝተመዘዘ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ኣተንቢሆም።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ፣ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን መቐለን ክመላለስ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ተስፋታት ሰላም ከምዘሎ፣ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተርዝ ከምዝገለጸሉ ተሓቢሩ’ዩ።

እንተኾነ፣ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ’ዚ ተስፋታት ኣለዎ ዝተባህለ ምቅርራብ ዝኾነ እወታዊ ምላሽ ኣይሃብሉን።

ኦባሳንጆ፣ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ዝቐርብሉ መንገድታት ክቀላጠፍ ኣብ ዝደፍኣሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ኵናት ናብ ክልል ዓፈር ምልሓሙ፣ ዕንቅፋት ከይፈጥር ተሰጊኡ ይርከብ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0