ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን መራሒ ሱዳንን ኣብ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ዘትዮም

Radio Erena: 15 February 2022

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሙሳ ፋኪ፣ ኣብ ህልዉ ኩነታት ሱዳን ንምዝታይ ናብ ናብ ካርቱም ዑደት ምክያዱ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ኣቦ መንበር፣ ብሰንበት 13 ለካቲት ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ብምርኻብ፣ ሱዳን ዘላቶ ፖለቲካዊ ኩነታትን መፍትሒታቱን ተመያይጡ።

ሙሳ ፋኪ፣ ኣብቲ ክሳብ ሎሚ 15 ለካቲት ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ፖለቲካዊን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዩ።

ሱዳን ገጢሙዋ ንዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምፍታሕ ዝተወሃሃዲ ኣህጉራዊ ጻዕሪ ከምዘድሊ፣ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብቲ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፣ ቮልከር ፐርትስ፣ ንኹሎም ወገናት ሱዳን ናብ መኣዲ ዘተ ንምቅርራቦም ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዑደት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሙሳ ፋኪ ናብ ሱዳን’ውን ነዚ ተበግሶ ‘ዚ ንምድጋፍ ምዃኑ ‘ዩ ተገሊጹ።

ብሰራዊትን ካብ ዝተፈላለዩ ውድባትን ማሕበራትን ዝተዋጽአ በርጌሳዊ ወገንን ዝቖመ መሰጋግሪ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ምፍራሱ፣ ህዝቢ እታ ሃገር ኣንጻር እቲ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዝቐጸለ ተቓውሞን ኣድማን ኣብ ምክያድ ይርከብ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0