ኢትዮጵያ፣ ናብ ክልል ዓፈር ልሒሙ ዘሎ ኵናት ትግራይ፣ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ከምዘፈናቐለ ተገሊጹ

Radio Erena: 14 February 2022

ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ኣትሒዙ፣ ዳግም ናብ ክልል ዓፈር ልሒሙ ዘሎ ኵናት ትግራይ፣ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዘመዛበለ፣ መንግስቲ ናይቲ ክልል ገሊጹ።

መንግስቲ ክልል ዓፈር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብዓላ፣ መጋሌን በርሓለን ዝርከቦ ሓያሎ ከባቢታት ናይቲ ክልል ብኸቢድ ብረት ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ’ዩ ወቒሱ።

ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት፣ ናብ ትግራይ ረዲኤት ዝኣትወሉ መስመራት ምስ ምዃኑ ምትዕንቓፍ ተፈጢሩ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፈር መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ እኳ እንተወቐሰ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኣብቲ ኵናት ብዛዕባ ምስታፉ ወይ ክሳተፍ ምዃኑ ኣይጠቐሰን።

መንግስቲ ክልል ዓፈር ግና፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ፍሉያት ሓይልታት ናይቲ ክልል ጥራይ ይሳተፉ ምህላዎም ‘ዩ ኣመልኪቱ።

ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱሉ ዝግለጽ ዘሎ ከባቢታት ክልል ዓፈር፣ ምስ ትግራይ ዘዋስን ኮይኑ ናብ ከተማታት መቐለ፣ ኣጽቢን ውቕሮን ቅርበት ዘለዎ’ዩ።

ዒላማ እቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፈር ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕታት ክንጸር እኳ እንተዘይክኣለ፣ ምስ ጂቡቲ ናብ ዘራኽብ መስመር ሰርዶ ንምዕጋት ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ትንተነታቶም ይህብሉ።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፣ ብመንግስቲ ክልል ዓፈርን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት መልሲ ኣይሃብሉን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ከበባ ብሰላማዊ መንገዲ ክኣሊ እንተዘይክኢሉ፣ ብኵናት ክኸፍትዎ ምዃኖም ወትሃደራውያንን ሲቪላውያንን ሰበ ስልጣን ትግራይ ብተደጋጋሚ ይገልጹ’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኵናት ዝካየደሉ ናብ ዘሎ ከባቢታት በርሓለ ቅርበት ኣብ ዘለዋ ሓውሲ ከተማ ኣጽቢ፣ ብ12 ለካቲት ኣብ ዝገበሮ ናይ ድሮን ደብዳብ፣ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉን ከምዝቖሰሉን ብወገን ትግራይ ተገሊጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0