ጂቡቲ፣ ንኬንያን ሶማልን ክትዓርቕ ጻዕርታት ተካይድ

Radio Erena: 27 December 2020

ጂቡቲ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ወጥሪ ንምሽምጋል ልኡኽ ከምዝሰደደት ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፣ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ዝተላእከ ጉጅለ፣ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ዲፕሎማሰኛታትን ከምዘጠቓልል ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ስራሕ’ቲ ጉጅለ፣ ኣብ ከተማታት በለድ ሃዎን ማንደራን ብምብጻሕ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብኣካል ብምዕዛብ ሓበሬታ ክእክብ ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።
ጂቡቲ ነዚ ናይ ሽምግልና ተራ ትጻወት ዘላ፣ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝተቓንዐ ዋዕላ ኢጋድ ብዝተዋህባ ሓላፍነት ምዃኑ ይግለጽ።
ኬንያ፣ ምስ ምምሕዳር ጁባላንድ ዝደናገጹ ሰራዊት ኣዕጢቓ ብምባል እያ ሶማል ትኸስስ። ኬንያ ብወገና ነቲ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂባትሉ’ያ።
እንተኾነ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዶባተን ሰራዊት ክኣኻኽባ ብምጽነሐን፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ህዝቢ እቲ ወጥሪ ናብ ምሉእ ኲናት ከይሰጋገር ኣብ ዓቢ ስግኣት እዩ ተሸሚሙ ዝርከብ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0