ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዞባ ኮንሶ ኣብ ዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭት ብውሕዱ 66 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena; 25 December 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ኮንሶ፣ ኣብ ዝተጎሃሃሀር ናይ ብሄር ግጭት ብውሕዱ 66 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 39 ድማ ከምዝቖሰሉን ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

በቲ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

በቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣትሒዙ ዝተጎሃሀረ ግጭት፣ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ካብዚ ብመንግስቲ ዝግለጽ ዘሎ ብዝተዓጻጸፈ ከምዝዛይድ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት የመልክቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይካ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኵናት፣ ኣብ ብዙሕ ክልላት እታ ሃገር፣ ናይ ብሄር ግጭታት ይንህር ኣሎ።

ዛጊት ኣብ ክልላት ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን ደቡብን ኣማኢት ሰባት በዚ ናይ ብሄር ግጭት ከምዝተቐትሉ በብዕለቱ ዝቐርብ ዘሎ ጸብጻባት ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኵናት፣ ምርጫ’ውን ዝጽበያ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ምስዚ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ተደማሚሩ፣ ኣብታ ሃገር ታሪኽ ህልቂት ርዋንዳ ከይድገም ንሓያሎ ኣስጊኡ ዘሎ ክስተት’ዩ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0