ቀ.ሚ. ኢትዮጵያ፣ ‘ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ጎንጺ፣ ገለ ሰላም ዘይደለዩ ሓይልታት የጎሃህሩዎ ኣለዉ’

Radio Erena: 27 December 2020

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ነቲ ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ጎንጺ፣ ገለ ሰላም ዘይደለዩ ሓይልታት የጎሃህሩዎ ኣለዉ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፣ ሰራዊት ኣብቲ ዶብ ይኣኻኽብ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ዝርከብዎም ውሑዳት ሰባት ነቲ ግጭት ኮነ ኢሎም የጎሃህሩዎ ኣለዉ ክብል በቲ ‘ናብ ህዝቢ ሱዳን’ ኢሉ ዝገለጾ ብቋንቋ ዓረብ ዝተላእከ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ሚኒስተር ዜና መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ፣ እቲ ብብረት ዝዓጠቑ ኢትዮጵያውያን ምልሻ ተኻዪዱ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፣ ብስሩዕ ሰራዊት’ቲ መንግስቲ ከምዝተፈጸመ ዘመልክት መርትዖታት ከምዘሎ ብምግላጽ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ።
ክልቲኦም ወገናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ዝግበር ዝኾነ ሰናይ ተበግሶ ከምዝቕበሉ ይጠቕሱ እኳ እንተለዉ፣ ብግብሪ ግና ኣብ ዶባት ሰራዊት የግዕዙ ከምዘለዉ እዮም ምንጭታት ዜና ዝገልጹ።
ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብነፈርቲ ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ከባቢ’ቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶባት ከካዪድ ቀንዩ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ውግእ ሓድሕድ ተጸሚዱሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብሓደ ወገን፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግርጭታት ይብእስ ኣብ ርእሲ ምህላዉ በቲ ካልእ፣ ምስ ሱዳን ብዶብ ክጋጨው ነታ ሃገር ኣብ ዝበኣሰ ቅልውላው ክሸማ ከምዝኽእል ብዝተፈላለዩ ወገናት ይግለጽ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0