ጀ/ል ስብሓት ኤፍሬም ካብ ተቓውሞ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምኽዋል ብጎልፎ ተጎልቢቡ እናሃደመ ዘርኢ ስእሊ ምዝርግሑ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣቖጢዑ

ኣብ ሽወደን ብምስጢር ኣኼባ ንምክያድ ዝኣተወ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ኣንጻሩ ድሕሪ ዝተወልዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ብደገፍቲ ህግደፍ ጎልፎ ተጎልቢቡ ካብቲ ኣዳራሽ ተሓቢኡ ክወጽእ ዘርኢ ስእሊ ብማዕከን ዜና ኤክፕረስን ምዝርግሑ፣ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣቖጢዑ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ናብ ሽወደን ብዘይወግዓዊ ዕድመ ስለዝኣተወ፣ መንግስቲ ሽውደን ናይ ፕሮቶኮል ሓለዋ ስለዘይገበረሉ’ዩ፣ ኣንጻሩ ካብ ዝተወልዐ ተቓውሞ ንምህዳም ጎጹ ብጎልፎ ተጎልቢቡ ብደገፍቲ ህግደፍ ተኸቢቡ ናብ መኪና ክኣቱ ዝተራእየ።

 

ማዕከን ዜና ኤክስፕረስ፣ እቲ ጀነራል ብ ጎልፎ ተጎልቢቡ ናብ መኪና እናኣተወ ዘርኢ ስኢሊ ምዝርጋሓ፣ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝተበገሰት ዘይሚዛናዊት ማዕከን ዜና’ያ ክብሉ’ዮም ነቒፎማ።

ኣብቲ ኣብ ጎግላንድ ብጀነራል ስብሓት ኤፍሪም ዝተወደበ ምስጢራውን ዕጹውን ኣኼባ ኣባላት ህግደፍ ዝተሳተፉ ሰባት’ውን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም እናተሓብአን ብጎልፎ ተጎልቢቡ ዘርእን ሓያሎ ኣሳእል ኣብ ፌይስቡክን ካልእ ማሕበራዊ ሜድያታትን ዘርጊሖም ኣለዉ።

ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ህግደፍን፣ ዋላ’ውን ብዘይወግዓዊ ዕድመ ኣብ ዝመጽሉ ኣብ ሽወደን ከም ድላዮም ዝዕንድርሉ ዝነበረ ግዜ ከምዘብቕዐ ዘመልክት’ዩ ዝበሉ ነቲ ኣሳእል ዝተዓዘቡ ሃያሎ ኤርትራውያን ድማ፣ ሚዛን ደምበ ተቓውሞ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ይምጽእ ከምዘሎ ዘብርህ’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0