ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብቴሌፎን ካብ መዝነቱ ከምዝሰጎጎ ተመልኪቱ

Radio Erena: 29 May 2023


ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፣ ምስቲ ምስ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይሉ ብዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ፣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፣ ዓሊ ኣል ሳድቕ ካብ መዝነቱ ሰጕግዎ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ እቲ ኵናት ኣብ 15 ሚያዝያ ምስ ተወልዐ፣ ንሚኒስተር ዓሊ ኣል ሳድቕ፣ ድሕሪ ሳልስቲ ካብ መዝነቱ ከምዝሰጎጎ ‘ዩ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ መርበብ ዜና፣ ኣል ሳድቕ፣ እቲ ኵናት ኣብ ዝተወልዓሉ፣ ናይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መዝነቱ ብብቕዓት ስለዘይተጠቕመሉ፣ ቤት ጽሕፈት ወትሃደራዊ እዚ ጀነራል ኣል ቡርሃን፣ ኣብ 18 ሚያዝያ ቴሌፎን ብምድዋል፣ ከምዝሰጎጎ ኣነጺሩ።

ኣይተጠቕመሉን ብዝብል’ዩ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣልይዎ።

ኣብ ክንድኡ ድማ፣ ንመሕመድ ዑስማን ኣል ሓዲን ዓሊ ኻርቲን፣ ነሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክመርሑ ክምዝዞም እንከሎ፣ ንዳፍላ ኤልሃግ ዓሊ ድማ ከም ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ሸይምዎ።

ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ምስ ጀነራል ሐሚቲ ወገኖም ዝበሎም ኣርባዕተ ጀነራላት’ውን ካብ መዝነቶም ከምዝኣለዎም ይፍለጥ።

ኣብ ጂዲ ብዝተበጽሕ ውዕል፣ ንሸውዓተ መዓልታት ምቑራጽ ቶዅሲ ክገብሩ ተሰማሚዖም ዘለው ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ከምርሑ ጻዕርታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ይቕጽል ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0