‘ኤርትራ፣ ኣብ 30 ዓመታት ለውጢ ዘየርኣየት ሃገር’ያ።’

Radio Erena: 29 May 2023

ኤርትራ፣ ኣብዚ 30 ዓመታት ለውጢ ዘየርኣየት ሃገራት’ያ ክብል ጸብጻብ ኣህጉራዊ መደበር ራድዮ ፍራንስ ገሊጹ።

እታ ራድዮ ብምኽንያት መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ኣብ 1993 ብወግዒ ናጽነታ ካብ ዝኣወጀትሉ ዕለት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዝነበረቶ’ያ ዘላ ክትብል ኣረዲኣ።

ሕሉፍ ምልኪን ተኸታታሊ ኵናትን፣ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ተነጽሎ ከምእትነብር ጌርዋ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፣ ብሰብኣዊ ምዕባለ ካብ 191 ሃገራት፣ ምስተን ዝደሓራ እትምደብ ኮይና፣ ኣብ መበል 176 ተሰሪዓ ምህላዋ ኣስሚርሉ።

ህይወት ዜጋታታ ኤርትር ብምትህድርና ዝተኣስረ ምዃኑ ንድሕረ ባይታ እታ ሃገር ብዝምልከት፣ ራድዮ ፍራንስ ኣብ መደምደምታ ኣቕሪባ።

ኣብዚ ዝሓለአፍ 30 ዓመታት ምርጫ ተኻይዱላ ዘይፈልጥንን ብሓደ ሰብ እትምራሕን ኤርትራ፣ ብዝያዳ እትፍለጠሉ ዛዕባ፣ ዋሕዚ ዜጋታታ ናብ ስደት’ዩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ፣ ኣብ ወጻኢን ኣብ ስደትን ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራ፣ ንመበል 32 ዓመት፣ ከም ናይ ወትሩ ኣብ ክልተ ደምበታት ተኸፋፊሎም ክጽንብልዎ ኣንከለዉ፣ ኣብ ከም ነርወይን ሆላንድ ዝኣመሰለ ድማ ክሳብ ናብ ጎነጽን ምትፍናን ዘምርሐ ኩነታት ከምዝተራእየ’ዩ ተሓቢሩ።

ትማሊ ሰንበት 28 ግንቦት፣ ብኤምባሲ ተወዲቦም፣ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምጽምባል ኣብ መንጎ ዝተኣኻኸቡን ለውጢ ዝጠልቡ ኣንጻሮም ደው ዝበሉን ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ፣ ሓድሕዶም ከምዝተጋጨዉን ዝቖሰሉ ሰባት ድማ ከምዘለው’ውን መርበብ ዜና ረጅዮ ብወገና ኣመልኪቱ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0