ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ

Radio Erena: 24 December 2018

Sibhat Efrem

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ገዝኡ ፈተነ ቅትለት ከምዝተኻየደሉ ተረጋጊጹ።

ኣቐዲሙ ሚኒስተር ምክልኻል ነበረ ድሒሩ ድማ ሚኒስተር ማዕድን ዝኾነ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ብ19 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ናብ ገዝኡ እናኣተወ እንከሎ’ዩ ዛጊት መንነቱ ብዘይተነጸረ ሰብ ተሃሪሙ።

ሃራሚ፣ ፈለማ ጥይት ተኵሱ ከምዝሰሓቶ፣ ድሕሪኡ ድማ ኣርኪቡ ብሰደፍ ሽጉጥ ኣብ ርእሱ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደሉ ዘረጋገጹ ዝተፈላለዩ ምንጭታት፣ ጀነራል ስብሓት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ሕክምና ከምዝርከብ ኣመልኪቶም።

ኣምብባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጃፓን ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዘለዉ መልእኽታት፣ ስብሓት ኤፍሬም ቀልጢፉ ክሓዊ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ ኣለዉ።

ሕሉፍ ጽልእን ቂምታን ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍጸም እዚ ናይ ጀነራል ስብሓት ፈለማ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርርኣብ ኣብ ኢጣልያ፣ ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ከምዝወረዶ ይዝከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0