ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ይብሉ

ዕጡቓት ኦሮሞ፣ ኣብ ኤርትራ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን ይብሉ

Radio Erena: 24 December 2018

Dawd Ibssa

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከባቢ ወለጋ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኦሮሞን ሰራዊት መንግስትን ግጭታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ እቲ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ሓደ ካብ መሪሕነት ናይቲ ዕጡቕ ሓይሊ ዝኾነ ዳውድ ኢብሳ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዓለ ብምውቓስ፣ ምስቲ መንግስቲ ዝያዳ ምዝርራብ ንምክያድ ድልዉ ከምዘሎ ጠቒሱ።

ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዕጡቓት ኦሮሞ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ኢትዮጵያ እኳ እንተተፋነው፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ክፋል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ግና ዕጥቑ ከይፈትሐ’ዩ ጸኒሑ።

መንግስቲ ክልል ኦሮሞ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም “ናይ ጥፍኣት ሓይልታት” ዝብሎም ዘሎ ዕጡቓት ኦሮሞ ኩሉ ዓይነት ስጉምታት ክወስድ ምዃኑ የጠንቅቕ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ወለጋ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፣ ህይወት 10ታት ሰባት ጠፊኡ፣ ህዝቢ ካብ ኣብ ምምዝባል ይርከብ።

ብናይ ብሄር ግጭታት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ሓደ ብሄር ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ተቐናቐንቲ ወገናት’ውን ካልእ ረጽምታት ከየጎሃሃር ተሰጊኡ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0