ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ግፋ ይቕጽል

ኤርትራ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ግፋ ይቕጽል

Radio Erena: 23 December 2018

asmera cafeመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ከምዝቐነየ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዕዳጋታት ብብዝሒ ዝርከበሉ ቦታታት ዝቐነየ ግፋ ዕላምኡ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ ኣብ ጎደናታት ነኣሽቱ ሸቐጣት ኣብ ልዕሊ ዘካዪዱ ጽዒቑ ምንባሩ ይጥቀስ። በዚ ግፋ ንብረቶም ዝተዘመቱ ካብ ትግራይ ዝመጹ ኢትዮጵያውያን፣ ቀንጠመንጢ ካብ ድኻታት ዝዘምት መንግስቲ ርኢና ብምባል ብዓውታ ከማርሩ ይስምዑ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ምስ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዝጸንሐ ቀረብ ናይ ህንጻ መሳርሒታት ክውሕዝ ብምጅማሩ ህዝቢ ተታባቢዑ ቤቱ ከሐድስ ጀሚሩ’ኳ እንተነበረ፣ መንግስቲ ኤርትራ ሑጻ ዘንቀሳቕሳ ናይ ጽዕነት መካይን ክህገራ ዝብል ትእዛዝ ስለዘመሓላለፈ ዳግማይ ክዝሕትል ተገዲዱ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ከቢድ ናይ ጸጥታ ሃዋሁ ሰፊኑ ከምዘሎ፣ ምንጭታትና ብተወሳኺ ሓቢሮም። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስዚ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ፈተነ ቅትለት ተኻዪዱሉ ተባሂሉ ክውረ ዝቐነየ ምትእስሳር ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ብምዕፋን ፕረስን ሓበሬታን ኣብ ዓለም ግኑን ስም ዘለዎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝኾነ ሓበሬታ ስለዘይሃበ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘሎ ህዝቢ ምንጩ ብዘይተረጋገጸ ወረ ኣብ ሻቕሎት ይርከብ።

ንፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ሓዊስካ ሓያሎ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ኤርትራውያን ማዕከናት ዜና፣ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ምክያዱ፣ ንላዕለዋይ ሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገር ተወሲዱ ከምዘሎ ኣቃሊሐን።

ራድዮ ኤረና ነዚ ብዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ንምርካብ እተካዪዶ ዘላ ጻዕሪ ኣብ ዝዕወተሉ፣ ናብ ሰማዕቲ ከምእተብሎ በዚ ኣጋጣሚ ንገልጽ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0