ጀርመን ናይ 212.6 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ክትህብ ምናዃ ኣፍሊጣ

ጀርመን ናይ 212.6 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ክትህብ ምናዃ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 05 November 2017

haylemaryam_merkelጀርመን ናይ 212.6 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ክትህብ ምናዃ ኣፍሊጣ።

እዚ ኢትዮጵያ ዝልገሰላ ዘሎ ፋይናንስያዊ ሓገዝ፣ ኣብ ጽላታት ሕርሻን ትምህርትን ዝውዕል ምዃኑ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 3 ካብ ጀርመን ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ዕለት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ዝፈረመ ሚኒስተር ዶክተር ኣድማሱ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምቕረሐ መሬት፣ ምምካት ደርቂ፣ ምዕባይ ምህርቲ ሕርሻን ተክኖሎጂን ኣብ ዝኣመሰሉ መዳያት ምትሕብባር ክቕጽላ ምዃነን ኣፍሊጡ። ንሱ ብተወሳኺ፣ እዚ ተለጊሱ ዘሎ ናይ 212.6 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ኣብ ግቡእ መዓላኡ ክውዕል ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ብሪታ ቫግነር ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ እቲ ተለጊሱ ዘሎ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ርኡይ ለውጢ ከምጽእ ዘለዋ ተስፋ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብኣካል እንዳዞረት ነቲ ሓገዝ ህዝቢ ብግቡ ይረብሓሉ እንተሎ ከተረጋግጽ ምዃና ገሊጻ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ሓገዝ ይረክብ እኳ እንተኾነ፣ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ገኒኑ ዘሎ ጉቦን ምጥፍፋእን ውልቀሰባት’ዮም ዝያዳ ክረብሑሉ ጸኒሖም። ነዚ ከም ሓደ ዕንቅፋት ንምዕባለ ዝቖጸሮ ጉቦን ምጥፍፋእን ንምውጋድ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፍሉይ ኮሚሽን ኣቚሙ ንሓያሎ ሰበስልጣንን ነጋዶን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእቱ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0