ካናዳ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ማዕቀብ ጌራ

ካናዳ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ማዕቀብ ጌራ

Radio Erena: 05 November 2017

south sudan officialካናዳ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ማዕቀብ ከምዝገበረት ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ብዕለት 3 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ክልተ ካብቶም ማዕቀብ ተገይሩሎም ዘሎ ውልቀሰባት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮይኖም፣ ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓስን ብብልሽውናን ዝኽሰሱ ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሳልሳዮም ከኣ ብኣህጉራዊ መሰል ደቂ ሰብ ዝተፈልጡ ውዕላት ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ብዘካየዶ ምርጋጽ መሰል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቶም ፍሉይ ማዕቀብ ተገይሩሎም ዘሎ ሰበስልጣናት፣ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ነበር ፖል ማሎንግ ኣዋን፣ ምኽትል ሓለቓ ሎጂስቲክስ ሰራዊት ማለክ ረዩበን፣ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ዜና ማይክል ማኩዊ እዮም።

 

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ክፍሊ ሃብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ዞም ሰለስተ ሰበስልጣናት ደቡብ ሱዳን ተመሳሳሊ ማዕቀብ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ኣብ መግለጺኡ፣ ካናዳ ኣንጻር ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ስልጣኖም ተጠቒሞም ብብልሽውና ሃብቲ ዘኻዕብቱን፣ ሰብኣዊ መሰል ዝረግጹን ክትቃለስ ምዃና ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ልዕሊ’ዞም ሰለስተ ሰበስልጣናት ደቡብ ሱዳን ዝተወስደ ስጉምቲ ቀንዲ መልእኽቱ ንሱ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ፍሉያት ውልቀሰባት ዝቐንዐ ማዕቀብ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ተቓወምቱ ዘተ ሰላም ብምክያድ ኣብታ ሃገር ኲናት ደው ክብል ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ’ዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0