ጀርመን፣ ኣኼባታት ህግደፍ ተቓውሞታት ይገጥሞ

Radio Erena: 09 May 2017

YPFDJ demo

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታት ህግደፍ፣ ተቓውሞ ይገጥሞ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ብሰንበት 7 ግንቦት ኣብ ስቱትጋርት ክካየድ ዝተወጠነ ኣኼባ ህግደፍ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ድሕሪ ዝቐረበ ተቓውሞ፣ ኣቐዲሞም ካብ ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ ተኸልኪሎም።

እንደገና ብምስጢር ካልእ ኣዳራሽ ብምክራይ ኣኼባኦም ከምዝቐጸሉ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ካብ ስቱትጋርት፣ ኣብኡ’ውን እንተኾነ ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር እቲ ኣኼባ ተቓውሞ ከምዘካየዱ ገሊጾም።

ኣብ ፍራንክፈርት’ውን ብተመሳሳሊ ኣንጻር ኣኼባ ህግደፍ ተቓውሞታት ተኻይዱ’ዩ።

ኣብ ካልኦት ከተማታት ጀርመን ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ኣኼባታት ህግደፍ’ውን ካብ ተቓውሞታት ናጻ ከምዘይከውን ብኣግኡ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ሆላንድ ክካየድ ኣብ ዝተወጠነ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ብሰንኪ ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝተሰናኸለ ኣይርሳዕን።

 

ስእሊ፣ ካብ ተቓውሞ ኣንጻር ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0