መርከብ ኵናት ኢጣልያ ‘ካራቢነረ’ ናብ ኤርትራ ክትበጽሕ’ያ

Radio Erena: 10 May 2017

Carabinere

ኣብ ኣቡዳቢ መልህቓ ኣውሪዳ እትርከብ ናይ ኵናት መርከብ ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ከምዘምርሐት ማዕከን ዜና ጋልፍ ኒውስ ሓቢሩ።

እዛ ኣብ 2015 ናብ ስርሒታት ዝተዋፈረት ሓዳስ ወትሃደርዊት መርከብ ኢጣልያ፣ ኣብ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን ጭውያ ንግዳውያን መራኽብን ክትነጥፍ’ያ ጸኒሓ።

ካብ ኣቡዳቢ ናብ ኤርትራ እትንቀሳቀሰሉ ኣውራ ምኽንያት ድማ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ክሊ ማያት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት እትገብሮ ዘላ ዑደት ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እዛ 168 ወትሃደራትን፣ ሚሳይላትን ካልእ ዝተፈላለየ ኣጽዋርን ዝዓጠቐት መርከብ ናብ ኤርትራ ቅድሚ ምምራሕ፣ ኣብ ኢንዶነዥያ፣ ማሊዥያ፣ ፓኪስታንንስዑዲ ዓረብን’ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዳ’ያ።

ንብረት ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዝኾነት መርከብ ኵናት ‘ካራቢነረ’፣ ኣብዘን ሃገራት ዑደት ንምክያድ ብፍሉይ ዝተመርጸሉ ወትሃደራዊ ኣገዳስነት ኣይተነጸረን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0