ዳግም ዝትንስእ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኡጋንዳ፣ ካምፓላ-ኣስመራ ቀጥታዊ በረራ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 09 October 2019

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዳግም ዝትንሳእ ዘሎ መንገዲ ኣየር ኡጋንዳ፣ ካብን ናብን ካምፓላ-ኣስመራ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዝጅምረሉ ዕለት ግና ብንጹር ኣይጠቐሰን።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ጂቡቲ፣ ሃርጌሳን ካልኦት ብጠቕላላ ትሽዓተ ሃገራት’ዩ በረራታቱ ከካይድ።

ካብ 1977 ኣትሒዙ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ መንገዲ ኣየር ኡጋንዳ፣ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያት ንነዊሕ ዓመታት ደስኪሉ’ዩ ጸኒሑ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2019 ዳግም ከምዝተንሰአ መንግስቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምእዋጁ፣ ብክልተ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ትሽዓተ ሃገራት በረራታቱ ዳግማይ ከምዝጅምር ገሊጹ።

ምጅማር ቀጥታዊ በረራታት ካምፓላ-ኣስመራ፣ ነቲ ኤርትራውያን ብመንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ብካይሮ ዘካይድዎ ዝነበሩ ኮለልን ገልታዕታዕን ዝበዝሖ ጉዕዞ ከሕጽ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኡጋንዳ፣ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ፣ ብዘይ ቪዛ ካብ ዝቕበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና፣ ብሳላ’ዚ ፖሊሲ’ዚ ኣስሓት ኤርትራውያን ናብዛ ሃገር እናገዓዙ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ይኹን ናብ ካልእ ሃገራት ናይ ምጥያስ ዕድላት ንምርካብ ክኢሎም’ዮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0