ዳዒሽ፣ ኣባላቱ ምስ ስደተኛታት ተሓዊሶም ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም ከምዘለዉ ይገልጽ

ዳዒሽ፣ ኣባላቱ ምስ ስደተኛታት ተሓዊሶም ናብ ኤውሮጳ ኣትዮም ከምዘለዉ ይገልጽ

Radio Erena: 24 September 2015

ISIS

ብዝሒ ሶርያውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ጸጥታዊ ስግኣት ክፈጥር ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ዳዒሽ፣ ና ኤውሮጳ ካብ ዝስደዱ ዘለዉ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ሶርያ፣ ኣባላቱ ኣስሊኹ ኣእትዩ ከምዘሎ ደጋጊሙ ኣብን ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፣ ሓያሎ ሃገራት ዘለወን ስክፍታ ይገልጻ።

ዳዒሽ፣ ኣስታት 4 ሽሕ ዝኾኑ ኣባላቱ ምስ ስደተኛታት ሓዊሱ ናብ ኤውሮጳ ምስጋሩ ይጥቐስ እኳ እንተሎ፣ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ጸጥታ ግና እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ንፕሮፖጋንዳ ዝነዝሖ ዘሎ ወረ’ዩ ክብሉ ይነጽግዎ።

 

ሕብረት ኤውሮጳ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ ዝኾኑ ሎሊ 120 ሽሕ ስደተኛታት ንምምቅራሕ ኣብ ዝብል ነጥብ ይዝትያሉ ምህላወን ዝፍለጥ’ዩ።

ሓደ ካብቲ ኣውራ ዝተላዕለ ነጥብታት ድማ ጸጥታ ስግኣት ዝብል ይርከቦ።

ዳዒሽ ብዘይካ’ዚ ኣባላቱ ናብ ኤውሮጳ ከምዘስሎኸ ምጥቃሱ፣ ብምስግጋር 10ታት ኣስሓት ሶርያውያን ስደተኛታት ሚልዮናት ዶላራት ኣታዊ ይረክብ ምህላዉ’ውን ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የረድኡ።

ኣብ ሊብያ ዝመደበሩ ጉጅለ ዳዒሽ’ውን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣፍሪቃ ብምስግጋር ተመሳሳሊ እቶት ይረክብ ምህላዉ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0