ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፣ ስደትን እገዳን ዘትዩ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፣ ስደትን እገዳን ዘትዩ

Radio Erena : 23 September 2015

Ban

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብምርኻብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ዘትዮም።

ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ 22 መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ርክብ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባኪ ሙን ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ኣብታ ሃገር ገኒኑ ብዛዕባ ዘሎ ዋሕዚ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን መፍትሒኡን ብምልዓል ምስቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ከምዝተዘራረቡ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣፈኛ እቲ ዋና ጸሓፊ ዝወጸ መግለጺ የረድእ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ክልትኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ከምዝተመያየጡ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ የመልክት።

 

ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መበል 70 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ’ዩ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣምሪሑ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0