ዳር ኣል-ኢፍታ ግብጺ፡ ኣብ ትሕቲ ሕግታት ሸሪዓ በዓላት ልደተ ክርስቶስን ሓድሽ ዓመትን ክኽበር ፍቑድ ምዃኑ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 29 December 2021

ኣውራ ሕጋዊ እስላማዊ ኢንስቲቱት ግብጺ ዳር ኣል-ኢፍታ፡ ኣብ ትሕቲ ሕግታት ሸሪዓ በዓላት ልደተ ክርስቶስን ሓድሽ ዓመትን ክኽበር ፍቑድ ምዃኑ ኣብ ዘውጸኦ ፋትዋ ኣፍሊጡ።

ግብጺ ብኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ዝተዓብለለት’ኳ እንተኾነት ኣስታት 10 ሚልዮን ካብ ህዝባ ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና እዮም።

ልደተ ክርስቶስን ሓድሽ ዓመትን ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ክርስትያን ኣግባጥ ከብዕልዎ እንከለዉ ገለ ኣመንቲ ምስልምና ምስ ሃይማኖቶም ብምንጽጻር ብከመይ ነቲ በዓላት የኽብርዎ ወይ የንጸባርቕዎ ምድንጋራት ክፈጥረሎም ጸኑሑ።

ሓያሎ እስላማውያን መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ በዓላት ከየኽብርዎ ወይ’ውን ነቶም ዘኽብሩ ጽቡቕ ምንዮቶም ከይገልጹ ክጉስጉሱ ጸኒሖም።

ሕጋዊ እስላማዊ ኢንስቲቱት ዳር ኣል-ኢፍታ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ በዓል ልደተ ክርስቶስ ምውላድ እቲ ኣብ ሃይማኖት እስልምና’ውን ዓቢ ቦታ ዘለዎ ‘ነቢይ ዒሳ’ ወዲ ማርያም ዘኽብር ብምዃኑ ነቲ ብዓል ምብዓልን ንኣመንቲ ጽቡቕ ምምናይን ፍቑድ ምኻኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትሕቲ ሃይማኖት እስላም ሕጋጋት ሸሪዓን፥ ማሕበራዊ፡ ሃይማኖታውን ሃገራውን በዓላት ምኽባር ቅቡል ምዃኑ እቲ ኢንስቲቱት ሓቢሩ።

እዚ ፋትዋ ኣህዛብ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ዝሓቖፈት ግብጺ፡ ዝያዳ ተኸኣኢልካን ተኸባቢርካን ንምንባር ዘኽእል ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0