ኣመሪካ፤ ኢትዮጵያ ካብ AGOA ክትእለ ምዃና ድሕሪ ምሕባራ፤ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ቁጠዖም ገሊጾም

Radio Erena: 29 December 2021

ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ካብ AGOA ማለት ኣብ መንጎ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝግበር ንምዕባለን ምኽፋት ዕድላትን ባብ ዝኸፍት ናይ ንግዲ ውዕል፡ ክትእለ ምዃና ድሕሪ ምሕባሩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ቁጠዐኦም ገሊጾም።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ግዙፍ ግህሰት ብምግባራ እዚ ድማ ንውዕል AGOA ዝጥሕስ ብምኻኑ ክትእለ ኣብ መደምደምታ ከምዝተበጽሐ እያ ገሊጻ።

ሓደ ኣብዚ መደምደምታ ካብ ዘብጽሑ ጉዳያት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ትግራይ ኣጽዋርን ሰራዊትን ንምምልላስ ናብ ሲቪላዊ ጥቕሚ ጥራይ ክውዕል ዝነበሮ፡ ንግዳዊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምጥቃሙ እዩ።

ሃገራት ማሊን ጊኒን’ውን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዘን ካብ AGOA ክእለያ እየን።

AGOA ኣብ 2000 ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝጸደቐ ናይ ንግዲ ውዕል ኮይኑ፡ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ንግዲ ኣመሪካ ናይ ነጻ ዕዳጋ ቦታ ክህልወን ዕድል ይኸፍት።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ናይ ምእላይ ሓደጋ ብዝምልከት ምስ ናይ ኣመሪካ መዘንኡ ኣብ ዝርርብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0