ደ.ሱዳን፣ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ደቀንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽሙ

Radio Erena: 25 September 2022

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝካየድ ጾታዊ ዓመጽ ብሰፊሑ ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣመልኪቱ።
ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝመሓደራ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝነብራ ደቀንስትዮ ብፍላይ፣ ካብ 2015 ጀሚሩ ጾታዊ ዓመጽ ክካየድ ምጽንሑ ጭብጥታት ከምዝረኸበ ዝገልጽ ኣልጀዚራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ዝያዳ ገኒኑ ምህላዉ ኣፍሊጡ።
ምስዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘንጸላልው ዘሎ ደርቂ፣ ልዕሊ 5000 ተወሰኽቲ ዝተመዛበሉ ስድራቤታት ናብ መዓስከር ማላካል ክመጹ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፣ ንድሕነት ደቀንስትዮ ብዝያዳ ብኣሉታ ክጸልዎ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።
ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረዲኤትን ዝመሓደራ ልዕሊ 18 ማሕበራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰብኣዊ ረዲኤት ክልግሳ ጸኒሐን’የን።
ኣባላት’ዘን ትካላት፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቀንስትዮ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዓመጽ፣ ብናጻ ኣካል መርመራ ክግበር ዝጠልብ ጥርዓን ካብ ሓያሎ ትካላት ግብረ ሰናይ ይቐርብ ኣሎ።
ግዳያት’ዞም ዓመጽቲ ዝኾና ደቂ 15 ዓመት ህጻናት ከምዘለዋ ዝገልጽ ኣልጀዚራ፣ ንሰለስተ ካብኣተን ከምዘዘራረበ፣ ብሰንኪ ዝወረደን ኣበሳ፣ ካብቲ መዓስከራት ጠቕሊለን ክወጻ ከምዝተገደዳ ገሊጹ።
ኣልጀዚራ ብተወሳኺ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2022 ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ናብ ኩሎም ኣባላት’ቲ ውድብ ዘይወግዓዊ መጠንቀቕታ ሰዲዱ ምንባሩ ዝገልጽ መርትዖ ሒዙ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0