ሶማል፣ ዓቃብ ሰላም ሕ.ኣ.፣ ኣመሪካን ሰራዊት ሶማልን ብሓባር ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ የካዪዱ

Radio Erena: 25 September 2022

መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ክጎናጸፎ ዝቐነየ ዓወታት፣ ብምሉእ ደገፍ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ዓቃብ ሰላም ብዓርቢ 23 መስከረም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ዞባ ሂራን ዓስኪሩ ዝነበረ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ተጸሪጉ ክወጽእ ዝኸኣለ፣ ብዝተሓባበረ ሓይልታት ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃን፣ ዕጡቓት ምልሻታት’ቲ ዞባን እውን ብቐጥታ ኣብቲ ኲናት ምስታፎም ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
እቲ ምዕራፍ ክልተ ተባሂሉ ዝተሰምየ ሓድሽ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኣልሸባብ ብዕለት 15 መስከረም ምጅማሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መንግስቲ ሶማል ከምኡ’ውን ምልሻታት ይሳተፍዎ ኣለዉ።
ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣልሸባብ ኣብ ዝጸንሓ ዓድታት ዝነብሩ ምልሻታት፣ ኣንጻር’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ክዋግኡ ምጅማሮም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘፍለጠ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ሰባት ከምዝተቐተልዎም ሓቢሩ።
ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣልሸባብ ከቢድ ክሳራ ተሰኪሙ ከምዘሎ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ዝርዝር ናይቲ ፍጻሜታት ግና ብዝርዝር ኣይተሓበረን ዘሎ።
ኣብ ማእከላይን ደቡባዊን ሶማል ዝርከብ ሰፊሕ ገጠራት ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣልሸባብ ከምዘሎ፣ ጸብጻባት’ታ ሃገር የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0