Radio Erena: 25 September 2022

ስእሊ፤ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ህጻናት ዝረአ ዘሎ ተላባዒ ሕማማት፣ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ምህላዉ፣ ሰብ ሞያ ጥዕና ገሊጾም።
ከም ሕማም ንፍዮ፣ ቲታኑስን ደረቕ ሰዓልን ዝኣመሰሉ ንህይወት ህጻናት ኣስጋእቲ ዝኾኑ ተላባዕቲ ሕማማት፣ ኣብቲ ዞባ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ክትባት ህጻናት ስለዝተቛረጸ፣ ቁጽሪ ናይ ዝኽተቡ ህጻናት ናብ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ወሪዱ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ናብ ኣህጉራዊ ምጥርናፍ ክትባት ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፣ ኣብ ትግራይ 98 ሚእታዊት ዝነበረ ክትባት ህጻናት፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳርጋ ናብ ዜሮ ወሪዱ ምህላዉ ኣመልኪቱ።
ዛጊት ናብ ዩኒሴፍ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ 10 ከባቢታት ትግራይ፣ ብፍላይ ንፍዮ ኣብ ህጻናት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ።
ዶክተር ፋሲካ ዓንደስላሴ ካብ ዓይደር ሆስፒታል ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መድሃኒት ክትባት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብናጻ ይዕደል እኳ እንተሎ፣ ናብ ትግራይ ግና ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ን860 ሽሕ ህጻናት ዝኸውን ክትባት ናብ ትግራይ ከምዝተላእከ ዝገልጽ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ግና ብትእዛዝ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ደው ኢሉ ምህላዉ ኣመልኪቱ።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና (WFP) ብኣንጻሩ፣ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ይጽበይ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0