ደ/ሱዳን፣ ሓያሎ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም ተገሊፎም

Radio Erena: 18 April 2021

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ንሓያሎ ወተሃደራውያን ሰበስልታን’ታ ሃገር ካብ መዝነቶም ኣፋንዩ።
ብዓርቢ 16 ሚያዝያ ካብታ ሃገር ኣብ ዝተፈነወ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ለተናል ጀነራል ሳንቲኖ ደንግ ዎል ሓድሽ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኮይኑ ተመዚዙ’ሎ።
ሚኒስተር ምክልኻልን ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን እውን ካብ ስልጣኖም ተገሊፎም ኣለዉ። እቲ ምቅይያር ስልጣን፣ ካብ ዝተኣወጀሉ ዕለት ኣትሒዙ ግብራዊ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣብ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝውዕል ልዕሊ 95 ሚልዮን ዶላር ንደቡብ ሱዳን ለጊሳ።
እቲ ሓገዝ፣ ነቶም ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዘድልዮም ዜጋታት እታ ሃገር፣ ጥዕና፣ ማይን ካልእ ቀረባትን ዘጠቓለለ ከምዝኸውን ተገሊጹ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣመሪካ ንደቡብ ሱዳን ዝለገሰቶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ፣ ናብ 482 ሚልዮን ዶላር ክብ ኢሉ’ሎ።
ገለ ክፋል ካብቲ ሓገዝ፣ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተዓቚቦም ንዝርከቡ ደቡብ ሱዳናውያን እውን ክውዕል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቡብ ሱዳናውያን ኣብ ዩጋንዳ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0