ባይቶ ጸጥታ፣ ኩነታት ትግራይ ንምክትታል ዕጹው ኣኼባ ኣካዪዱ

Radio Erena: 18 April 2021

መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ናይ ምውጻእ ምልክት ኣየርኣየን ክብል፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወኪል ሰብኣዊ ረዲኤት ገሊጹ።
ባይቶ ጸጥታ ብሓሙስ 15 ሚያዝያ ንኩነታት ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምክትታል ኣብ ዝገበሮ ዕጹው ኣኼባ እዩ፣ ማርክ ሎውኮክ ነዚ መግለጺ’ዚ ዝሃበ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰራዊት ኤርትራ ተደጊፉ ኣንጻር ህወሓት ኣብ ዘካዪዶ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጅምር ጥራይ፣ ባይቶ ጸጥታ ሓሙሽተ ግዜ ዕጹው ኣኼባ ኣካዪዱ ኣሎ። እንተኾነ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣይተራእየን ክብል እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ይኸስስ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ተሳማሚዕና፣ ካብ ዝብል ክልተ ቅነ ሓሊፉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብኣንጻሩ ዝሰፈሐ ወተሃደራዊ ንቑጣታት ይቆጻጸር ከምዘሎ’ዩ፣ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነጥፉ ዘለዉ ትካላት ረዲኤት ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ።
ኣብ ጽባሕ’ቲ ባይቶ ጸጥታ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ሰራዊት ኤርትራ ፈጺሙዎ ዝበሃል ዘሎ ገበናትን ካልእ ክስታትን፣ ከምዘይቅበሎ ገሊጹ።
እንተኾነ፣ ብመሰረት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዕ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክስሕብ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ንመጀመሪያ እዋኑ ኣብቲ ኲናት ከምዝተሳተፈ ተኣሚኑ።
ማርክ ሎውኮክ፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ፣ ሰራዊት ኤርትራ ወተሃደራዊ ክዳን ናይ ኢትዮጵያ ለቢሱ ተራእዩ ዝብል ሓደ ሓደ ሓበሬታ ይበጽሖ ከምዘሎ፣ ኣብቲ ንባይቶ ጸጥታ ዝሃቦ መግለጺ የመልክት።

===============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0