መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ እዋን ምርጫ፣ ጸጥታ ዘኽብር ኮሚቴ ኣቚሙ

Radio Erena: 18 April 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ እዋን ምርጫ፣ ጸጥታ ዘኽብር ኮሚቴ ከምዘቖመ ኣፍሊጡ።
እቲ ብኣባላት ፈደራል ፖሊስ፣ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ፣ ሃገራዊ ድሕነት፣ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ወከልቲ ዞባዊያን መንግስታትን ዝቖመ ጉጅለ፣ ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ጸጥታ ንምኽባርን፣ ውሕስነትን ድሕነትን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ዘይዕጋበት ምስ ዝፍጠር ምክትታል ዝገብርን ከምዝኸውን ተገሊጹ።
ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ሰነ ዝካየድ ሻዱሻይ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ውጽኢቱ ብዘየገድስ፣ ዕግርግር ከየልዕል ዓቢ ስግኣት ሰፊኑ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ እዋን ምርጫ ጸጥታዊ ስግኣት ከጋጥም ይኽእል’ዩ ኢሉ ንዝሓሰቦ ናይ ምርጫ ነቑጣታት፣ ብኣግኡ ኣለልዩዎም ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ዝዓበየ ስክፍታ ፈጢሩ ዘሎ፣ ኣብቲ ምርጫ ድምጹ ክህብ ናይ ዝተመዝገበ ህዝቢ ቁጽሪ፣ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ’ዩ።
ካብታ ሃገር ዝፍኖ ዘሎ ጸብጻባት ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከድምጽ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ህዝቢ፣ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ጥራይ ተመዝጊቡ ከምዘሎ ይሕብር። ኣብቲ ካልእ ዞባታት ከኣ ካብኡ ዝተሓተ ከምዝኸውን እዩ ግምታት ዝወሃቦ ዘሎ።
ከባቢ 50 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከድምጽ ትጽቢት ዝግበረሉ ክኸውን እንከሎ፣ 8,209 ዝኣኽሉ ሕጹያት ተወዳደርቲ ከኣ ካብ ዞባዊን ፈደራላዊን ወከልቲ ህዝቢ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ንምሓዝ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ፣ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣፍሊጡ’ዩ።
ኢትዮጵያ ምስዚ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ኲናት ሓድሕድን ግጭት ብሄራትን፣ ኣብ እዋን ምርጫ ክለዓል ንዝኽእል ሕንፍሽፍሽ ንምቁጽጻር ዝቖመ እዚ ናይ ጸጥታ ኮሚቴ፣ ዝህልዎ ስልጣንን ዕማማትን ዛጊት ብዝርዝር ኣይተገልጸን ዘሎ።

 

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0