ደብዳብ ኣመሪካ ኣብ ሶማል ይቕጽል

ደብዳብ ኣመሪካ ኣብ ሶማል ይቕጽል

Radio Erena: 10 September 2017

 droneሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደብዳብ፣ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ኣልሸባብ ከምዝተቐትለ ኣፍሊጣ።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ለተናል ኮማንደር ኣንቶኒ ፋልቮ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኣብቲ ብሓሙስ 7 መስከረም ኣብ ከተማ ባራወ ዝተኻየደ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ካብ መራሕቲ ጉጅለ ኣልሸባብ ከምዝተቐትለን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለን ኣነጺሩ።

እንተኾነ መንነት ናይቲ ተቐቲሉ ዝተባህለ ኣባል ጉጅለ ኣልሸባብ ኣይሓበረን።

ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ኣብ ሶማል ወተሃደራዊ ምትእትታው ክዛይድ ትእዛዝ ብዝሃቦ መሰረት፣ ኣመሪካ ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልሸባብ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ኣካዪዳ ኣላ።

ዝሓለፈ ረቡዕ’ውን ኣመሪካ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ካብ ከተማ ሞቓድሾ 75 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ደብዳብ ብምክያድ ኣባላት ጉጅለ ኣልሸባብ ከምዝደምሰሰት ኣፍሊጣ’ያ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0