ሱዳን፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ምርካብ ትቕጽሎ ምህላዋ፣ UNHCR ከምዘተሓሳሰቦ ይገልጽ

ሱዳን፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ምርካብ ትቕጽሎ ምህላዋ፣ UNHCR ከምዘተሓሳሰቦ ይገልጽ

Radio Erena: 08 September 2017

sudan deport

መንግስቲ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ምርካብ ይቕጽሎ ብምህላዉ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ካብታ ሃገር ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ኤሊዛቤት ታን፣ ንሬድዮ ዳባንጋ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፣ እቲ መንግስቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣቲኹም ንዝበሎም ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ጉዳዮም ከይተጻረየ ናብ መንግስቲ ኤርትራ የረክብ ምህላዉ ኣረጋጊጻ።

UNHCR ብዛዕባ’ቲ ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ምምላስ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኤርትራ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ሱዳን ይዘራረብ ከምዘሎው’ን ጠቒሳ

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ዝሓዝዎም 40 ኤርትራውያን፣ ብ28 ነሓሰ ናብ ኤርትራ ከምዝጠረዝዎም ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ይዝከር።

መንግስቲ ሱዳን ነቶም ኤርትራውያን ፣ ጉዳዮም ብላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ከይተጻረየ ካብ ከሰላ ብመንገዲ ላፋ ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ምምላሱ፣ ኣህጉራዊ ውዕል ዝጥሕስ ምዃኑ ወኪል ናይቲ ኮሚሽን ኤልዛቤት ታን ብተወሳኺ ኣመልኪታ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0