ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ዝበዝሑ እሱራት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ተባሂለን

ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን ዝበዝሑ እሱራት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ተባሂለን

Radio Erena: 28 November 2014

Ethio Prison

ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያን ሞሮኮን ዝበዝሐ እሱራት ዘለወን ቀዳምት ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን ናይ 2014 ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማእከል መጽናዕቲ እሱራት International Centre for Prison Studies (ICPS) ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፣ እቲ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ 165 395 እሱራት ክህልዉዋ እንከለዉ፣ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ እትስዕባ ኢትዮጵያ ከኣ 93 044 እሱራት ኣለዉዋ።

ብብዝሒ እሱራት ኣብ ኣፍሪቃ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ ብ72 816 እሱራት ሞሮኮ’ያ።

 

ብደረጃ ዓለም 10.2 ሚልዮን እሱራት ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣስታት ፍርቂ ናይዞም እሱራት ኣብ ኣመሪካ፣ ቻይናን ሩስያን ከምዝርከቡ’ውን ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማእከል መጽናዕቲ እሱራት የመልክት።

ዝበዝሑ እሱራት ምስ ስርቂ፣ ዓመጽ፣ ቅትለት፣ ሓሽሽን ከምኡ ዝኣመሰለ ገበናትን ብዝተሓሓዝ ዝተቐየዱ እኳ እንተኾኑ፣ ኣብ ከም በዓል ቻይና፣ ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ከኣ ዝበዝሑ ናይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖትን ስግረ ዶብን እሱራት ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ብዝሒ ናይ ፖለቲካ፣ ሃይማኖትን ስግረ ዶብን እሱራት ብልክዕ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣህጉራውያን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝህብዎ ገምጋም ግና ኣስታት 10 ሽሕ ይበጽሕ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኤርትራ ብብዝሒ እሱራት ጋዜጠኛታት ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመት ቀዳማይ ደረጃ’ያ ሒዛ ትርከብ።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0