ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታትን ኣብ ምድሓን ልዑል ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ  ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንሽልማት ኖቤል…

ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታትን ኣብ ምድሓን ልዑል ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለዉ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንሽልማት ኖቤል…

Radio Erena: 27 November 2014

Aba Mussie

ኤርትራውያንን ካልኦት ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ ምድሓን ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ኤርትራዊ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ንመጻኢ ንሽልማት ናይ ሰላም ኖቤል ካብ ዝርቁሑ ሰባት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ንናይ ሓይሎ ሰባት ርእይቶ ኣብ ግምት ብምእትው ኣብ ስዊዘርላንድ እትሕተም ጋዜጣ ለ ማታ ገሊጻ።

እታ ብቋንቋ ፈረንሳ መዓልታዊ እትሕተም ናይ ስዊዘርላንድ ጋዜጣ ‘ለ ማታ’ ኣብ ናይ 20 ሕዳር ሕታማ ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ፣ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ኣብ ስዊዘርላንድን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ክህቡ ብካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ኤርትራ ዝተመደቡ ኮይኖም፣ ጎኒ ጎኒ’ዚ ግና ህወይት ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ዝልዓለ ኣበርክቶ ይገብሩ ምህላዎም ጠቒሳ።

 

ኣባ ሙሴ ካብ 1995 ኣትሒዞም ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ዝነጥፉ ዘለዉ ኮይኖም ብፍላይ ድሕሪ 2003 ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ስደተኛታት ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ረዲኤት ንኽረኽቡ ብዝልዓለ ዝሰርሕሉ ዘለዉ’ዩ።

ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ቱኒዝያን ዝተበገሱ ስደተኛታት፣ ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላልዎም ግዜ ናብታ ብመብዛሕትኦም ስደተኛታት ዝተፈልጠት ቁጽሪ ቴሌፎን ብምድዋል ሓገዝ ከምዝሓትዎምን፣ ኣብ ሙሴ ዘርኣይ ከኣ ወትሩ ምስ ስደተኛታት ብቴሌፎን ክዘራረቡ ከምዝርኣዩን’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ባሕሪ ናይ ዝጠሓሉ ይኹኑ ደሃይ ዘጥፍኡ ስደተኛታት ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ምጥያቕ ብዝልዓለ ካብ ዝነጥፉ ሰብ ግብረ ሰናይ ኣብ ቅድሚት ካብ ስርዑ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ነቲ ዘበርክትዎ ዘለዎ ሰናይ ተግባር ዝበቅዕ ስምን ከም ናይ ሰላም ኖቤልን ሽልማትን ዝግብኦም ምዃኑ ሓያሎ ወገናት ይሰማምዕሉ’ዮም።

ኣብ ስዊዘርላንድ እትሕተም ጋዜጣ ለ ማታ’ውን ነዚ ኣርእስቲ ብምንጽብራቕ’ያ ንኣባ ሙሴ ዝምልከት ጽሑፋ ኣቕርባ።

ንስደተኛታት ዝሕግዝ ትካል ግብረ ሰናይን ኣጀንስያ ሓበሻ ዝመስረቱ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣብ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን ግኑን ስም ከምዘለዎም ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ሙሴ ብዛዕባ’ታ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒነና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ደሃይ ዘጥፍአ ጃልባ ኣመልኪቶም ምስ ሬድዮ ኤረና ቃለ መሕትት ምክያድ ኣይርሳዕን።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0