ደቡብ ሱዳን:- ስድራቤት ሳልቫ ኪር ብብልሽውና ይኽሰሱ

Radio Erena: 26 September 2019

ስድራቤት ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣብ ሓያሎ ባንክታትን ትካላት ነዳዲን ወነንቲ ብርኪ ብምዃን ገንዘብ ህዝቢ ይዘምቱ ኣለዉ፣ ተባሂሉ ንዝቐረበ ክሲ መንግስቲ እታ ሃገር ነጺጉዎ።

ኣፈኛ ፕረዚደንት ማይክል ማኩይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ብብሕታዊ ትካል ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ኮነ ኢልካ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ስድራቤቱን ንምጽላም ዝተወጠነ ሽርሒ’ዩ ክብል ነጺጉዎ።

ብውሩይ ኣመሪካዊ ተዋሳኢ ፊልም ጆርጅ ክሉኒ ዝተመስተረተ ‘ሰንትሪ’ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘቕረቦ 64 ገጻት ዘጠቓለለ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፣ ብቻይናን ማሌዥያን ኣብ ዝውነና ትካላት ነዳዲ፣ ባንክታት፣ መንገዲ ኣየር፣ ትካላት ሸርፊ ወጻኢ፣ ዝኣመሰላ ሓያሎ ናይ ንግዲ ማእከላት ስድራቤት እቲ ፕረዚደንት ወነንቲ ብርኪ ብምዃን ንሃብቲ እታ ሃገር ይምዝምዙዎ ኣለዉ ክብል ይኸስስ።

እቲ ጽሑፍ ብተወሳኺ፣ ትካላት ነዳዲ ቻይና ብመንግስቲ ንዝድገፉ ምልሻታት ኣጽዋር ብምዕጣቕ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ከምዝወርድ ጌረን እየን ብምባል ድሕሪ ምኽሳስ፣ ገለ ዓድታት ብሓዊ ከምዝቃጸላ ከምዝገበሩ እውን ይጠቅስ።

ህዝቢ ካብ መነባብሮኡ ተመዛቢሉ ብጥሜት ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን፣ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ክልተ ደቃን ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ኣታዊታት ብምኽዕባት ብህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ይጻወቱ ኣለዉ ክብል እዩ እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝኸስስ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ እቲ ትካል ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ተመዊሉ ንምስሊ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ንምድዋን ይሰርሕ ኣሎ ክብል እዩ ምላሽ ዝህብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0