እስራኤል:- ኣብ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት መብርሂ ክትህብ ሕቶ ቀሪቡ

Radio Erena: 26 September 2019

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ፣ መብርሂ ክህበሉ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ቀሪቡ።

ማዕከን ዜና ሃረጽ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ኮሚቴ፣ ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን እስራኤል በዚ ጉዳይ መብርሂ ክትሰምዕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ጀኔቫ ርክብ ከተካዪድ ሙዃና ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ መንግስቲ እስራኤል ዝሕተት ዘሎ መብርሂ ንቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት ብመንጽር ስደተኛታት ዘጠቓለለ እዩ።

ድሕሪ እቲ ርክብ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ለበዋታት ከሕልፍ ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፣ መንግስቲ እስራኤል ከኣ ንጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት በብእዋኑ ጸብጻብ ከቕርብ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ይግለጽ።

ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት፣ ዑቕባ ሓቲቶም ንሓያሎ ዓመታት ክጽበዩ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እስራኤል ክሳብ ሎሚ ን13 ሰባት ጥራይ መሰል ዑቕባ ምሃባ፣ መብርሂ ክትህበሉ ትጽቢት ይግበር።

እስራኤል ንቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝፈረማ ሃገራት ሓንቲ እያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0