ግብጺ:- ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ልዕሊ 1,100 ሰባት ተኣሲሮም

Radio Erena: 26 September 2019

ንፕረዚደንት ኣል ሲሲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጸወዐ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደሉ፣ ልዕሊ 1,100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ፣ ተጣበቕቲ መሰላት እታ ሃገር ገሊጾም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ፣ ሓያሎ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት፣ መማህራን ዩኒቨርሲቲን ጸሓፍትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ይግለጽ።

ምምሕዳር ኣል ሲሲ፣ ፍቓድ ከየውጻኻ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ ከምዝኸልከለ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዞም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ግብጻውያን ነቲ ኣብ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ሳዕሪሩ ዘሎ ብልሽውና ብምቅዋም እዮም ንፕረዚደንት ኣል ሲሲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዑ ዘለዉ።

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘአንገዳ ሓያሎ ከተማታት ግብጺ ሃዲአን እኳ እንተለዋ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት ብብዝሒ ተዋፊሮም ከምዘለዉን፣ ሓሓሊፎም ሞባይል ናይ ሓለፍቲ መንገዲ ብምህጋር ዝኾነ ምስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ ከይህልዎም ይፍትሹ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ይገልጻ።

ካብ’ቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣንጻር ኣል ሲሲ ጎስጓስ ኣካዪድኩም ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።

ተንታኒ ፖለቲካን ጸሓፊን ኣልሰይድ ሓሰን ናፍዕ ሓደ ካብቶም ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ መማህራን ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ሙዃኑ ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጹ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ኣብታ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ ዘይሕጋዊ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። እንተኾነ ንብልሽውና ሰበስልጣን ዘቃልዕ ብሓደ ናይ ህንጻ ኮንትራክተር ናብ ቃልዕ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ህዝቢ ግብጺ ንፕረዚደንቱ ክኣሊ ዳግማይ ከምዝተላዕለ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0