ደቡብ ሱዳን፣ ዕጡቓት ተቓወምቲ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ከካይዱ ምዃኖም ኣጠንቂቖም

Radio Erena: 18 August 2022

ስሙር ግንባር ደቡብ ሱዳን ዝተባህለ ዕጡቕ ተቓዋሚ፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዘለዉ 10ታት ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓደ ዝኾነ ስሙር ግንባር፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ምሉእ ኵናት ክእውጅ ከምዝኽልእ’ዩ መራሒኡ፣ ጀነራል ፖል ማሎንግ ኣዋን ገሊጹ።

እቲ ግንባር፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ምሉእ ኵናት ከምዝእውጅን፣ ኣብ ኩሉ ዞባታት ኣብ ዝርከብ ዒላማታት ከምዘጥቅዕን ዘጠንቅቕ ዘሎ፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዝዝቱ ብሰራዊት ደቡብ ሱዳን ከምዝተማረኸ ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሰራዊት ደቡብ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ሰሜናዊ ባሕረ ል ጋዘል ኣብ ዘካየዶ ወትሃደራዊ ስርሒት፣ ብርጋደር ጀነራል ኣኮል ንጎንግ ኣዮክ ንዝርከቦም ሓሙሽተ ኣዘዝቲ እቲ ግንባር፣ ‘ባር ሩሩድ’ ኣብ ዝተባህለ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዝማረኾም’ዩ ተሓቢሩ።

ስሙር ግንባር ደቡብ ሱዳን፣ ከም ግብረ መልሲ ናይዚ፣ መጥቃዕታት ንምፍናው ንሓይልታቱ ኣብ ተጠንቀቕ ኣዳሉ ከምዘሎ፣ ሱዳን ትሪቡን ንኣፈኛ እቲ ግንባር፣ ኮለነል ፊሊፕ ደንግ ኩኦል ብምጥቃስ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ሱዳን ንዝተረከቦም፣ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዘለዎም ሰለስተ ኣዘዝቲ ካልእ ተቓዋሚ ውድብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብሞት ከምዝቐጽዖም ‘ዩ ተመልኪቱ።

ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ብክልተ ዓመታት ኣናዊሑ ዘሎ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫ ኪር ሚያርዲት፣ ካብ ሓያሎ ዕጡቓት ተቓወምቲ ውድባት መጠንቀቕታት ይመጽኦ እኳ እንተሎ፣ ምስቲ ብሬክ ማቻር ዝምራሕ ዝዓበየ ጉጅለ ግና ስምምዑ ንምሕያል ይጽዕር ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ምክትሉ ሬክ ማቻርን፣ ንትግባረ ናይቲ ኣቐዲሞም ዝኸተምዎ ስምምዕ ሰላም ውፉያት ምህላዎም ንምርግጋጽ ዝዓለመ ዘተ፣ ኣብ 12 ነሓሰ ምክያዶም መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣገንዚባ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0