‘ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ ንሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ሸልል ዝበሎ፣ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ’ዩ።’ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም

Radio Erena: 18 August 2022

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ ንሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ ሸልል ዝብሎ ዘሎ፣ ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ ‘ዩ ክብል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ።

ዶ/ር ቴድሮስ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ልዕሊ ‘ቲ ናይ ዩክሬይን ዝበኣሰን ኣሻቓልን እኳ እንተኾነ፣ መራሕቲ ሃገራት ግቡእ ኣቓልቦን ትኹረትን ዘይሃብዎ ምኽንያት፣ እቲ ህዝቢ ብሰንኪ ዘለዎ ሕብሪ ቆርበት ምዃኑ’ዩ ወቒሱ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ሰብኣዊ ኩነታት፣ ኮነ ተባሂሉ ብሰብ ዝተሰርሐ ‘ዩ ዝበለ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ብሰንኪ ከበባ ኣስታት 6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ትግራይ፣ ን21 ኣዋርሕ ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዑ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ንሱ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ከምዘይብሉ ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር፣ ናብ ናይ ኑክሌር ምትፍናን ከይዓርግ ብዝብል ምስምስ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ካብ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንላዕሊ ናብ ዩክሬይን ኣተኵሩ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ፣ ንኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ከምቲ ዝግባእ ኣቓልቦ ዘይገበረሉ ምኽንያት ምስ ዓሌትነት ሕበሪ ቆርበት ምትእስሳሩ፣ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይሃበሉ ኣሎ።

ተወላዲ ትግራይ ዝኾነን ኣቐዲሙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝነበረን ዶ/ር ቴድሮስ፣ ጸግዒ ትግራይ ዝሓዘ ወገናዊን ኣብ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ገበናት ፈጺሙን’ዩ ብዝብል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጽፍሒ ክእለ ጻውዒት ምቕራቡ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ዶ/ር ቴድሮስ ንተወሳኺ 5 ዓመታት ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኮይኑ ክቕጽል፣ ዝልዓለ ደገፈ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ‘ዩ ረኺቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከል፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ወገን ምዕራብ ትግራይ መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብሉ ሓይልታት ትግራይ ከሲሶም።

ወትሃደርዊ ኮማንድ ትግራይ፣ ብ18 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ናይ ከቢድ ብረትን ታንክታትን ደበዳብ ከምዘካየደ ብምውቃስ፣ ሓይልታቱ ግና ዝኾነ ግብረ መልሲ ከምዘይሃብሉ ጠቒሱ።

እቲ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኻይዱ ዝተባህለ ደብዳብ ብናጻ፣ ሳልሳይ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0