ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ጽዑቕ ናይ ነፈሪቲ ደብዳብ ትቕጽል ኣላ

Radio Erena: 18 August 2022

ኣመሪካ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ፣ ንዘካይዶ ዘሎ ወትሃደራዊ ስርሖታት ንምድጋፍ ዝዓለመ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ትቕጽል ኣላ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኣልሸባብ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ዘካየደት ኣመሪካ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዞባ ሒራን ብውሕዱ 14 ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ምቕታላ ኣፍሊጣ።

ኣልሸባብ ኣብ ማእከላይ ሶማልን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ሰለስተ ዞባታትን መጥቃዕታቱ ኣሕይሉ ይርከብ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ካብ ኣልሸባብ ንዝፍነወላ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ንምዕጋት፣ ኣስታት 2 ሽሕ ሰራዊት ናብቲ ዘዳውባ ዞባታት ልኢኻ።

ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ኣልሸባብ ከቡድ ብድሆ ገጢምዎ፣ ሓገዝ ሰራዊት ካልኦት ሃገራት ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ፣ ኣብ ኤርትራ ሳልሳይ ዓመቶም ኣሕሊፎም ዘለዉ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ናብ ዓዶም ተመሊሶም ምስ ሰራዊት ሃገሮም ክጽንበሩ ዘይክኣልሉ ምኽንያት ዓቢ መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፈ ተቓሊሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ 9 ሓምለ ናብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ፣ ምስቶም ወትሃደራት ድሕሪ ምርኻቡ፣ ኣብ ዝሓጸረ ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ግብራዊ ከይኮነ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0