ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጀት 39 ኤምባሲታት ክትዓጹ’ያ

Radio Erena: 22 May 2019

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ከቢድ ናይ ባጀት ቅልውላው 39 ኤምባሲታት ክዓጹ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ዘሎ ፊናንስያዊ ቅልውላው፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝርከባ 39 ኤምባሲታትን ቆንስላትን ንምዕጻው መጽናዕቲ ከምዝተጻፈፈን ኣብዚ ቀረባ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕልን ሓቢሩ።

እንተኾነ እተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታት ይኹና ቆንስላት ዝርከባሉ ስም ዝርዝር ሃገራት ኣየቕረበን።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ደሃይ ካብ ዘጥፍኡ ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ዝገበሩ 40 ዲፕሎማሰኛታት ሰጕጉ’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ብስም ናይቶም ስራሕ ዘየለዉ ኣባላት ሰራዊት፣ ፖለቲከኛታትን ዲፕሎማሰኛታትን፣ ሚሎዮናት ዶላራት ከምዝጠፋፋእ ይዝረበሉ።

እዛ ካብ መጠሻ ነዳዲ ዝርከብ እቶት እትምርኮስ ደቡብ ሱዳን፣ ብሰንኪ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታትን ጸጸኒሑ ዝነቱግ ግጭታትን ከምኡ ድማ ብልሽውናን ምጥፍፋእን፣ ካዝናታታ ጥራይ’ዩ ከምዝተረፈ ጸብጻባት የመልክቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0