ፕረዚደንት ኬንያ ነበር፣ ካብ ሓንቲ ኣደ ንዝመንዝዖ ሰፊሕ መሬት 10 ሚልዮን ዶላር ክኽሕስ ብቤት ፍርዲ ተወሲኑ

Radio Erena: 22 May 2019

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ዳኒኤል ኣራፕ ሞይ፣ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ኣብ 1983፣ ሱዛን ቸሉሂ ካብ ዝተባህለት ኣደ ናይ ዝመንዝዖ 21 ሄክታር መሬት፣ 10 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ወሲኑ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ነታ በዓል ቤታ ዝሞታ ኣደ፣ ዝነበራ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ድሕሪ ብሓይሊ ድሕሪ ምምንዛዕ፣ ከም ናይ ውልቁ ሃብቲ ኣብ 2007’ዩ ንሓደ ጎማ ዘፍሪ ትካል ሸይጥሉ ጸኒሑ።

እታ ኣደ ምስ ወዳ፣ እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ቅድሚ 36 ዓመታት መሬቶም ከምዝመንዝዐ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ክከራኸሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መወዳእታ፣ ነቲ መሬት ወኒኑ ዝጸንሐ ትካል፣ ካብቲ ፕረዚደንት ነበር ከምዝዓደጎ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብምእማኑ’ዩ፣ ናይ 10 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክወሃቦም ተበይኑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ወዲ 94 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ዳኒኤል ኣራፕ ሞይ፣ ካብ 1978 ክሳብ 2002፣ ን24 ዓመታት ንኬንያ መሪሑዋ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ብምጽናሕ፣ ብብልሽውና፣ ስርቂ፣ ምዝማት ሃብቲ ዜጋታት፣ ማእሰርትን ቅትለትን ንጹሃት ዜጋታትን ካልእ ዘስካሕክሕ ገበናትን ብምፍጻም ዝፍለጡ፣ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዮም፣ ንሶምን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ኣብ ማእሰርቲን ስደትን ክከላበቱ’ዮም ዝርኣዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0