“ይኣክል” ብዝብል፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝካየድ ዘሎ ጻውዒት ኤርትራውያን ሰፊሕ ሸፈነ ይረክብ

“ይኣክል” ብዝብል፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝካየድ ዘሎ ጻውዒት ኤርትራውያን ሰፊሕ ሸፈነ ይረክብ

Radio Erena: 13 March 2019

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ብመንገዲ ማሕበርዊ ሜድያታት ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ይኣክል ጻውዒት፣ ሰፊሕ ሸፈነ ይረክብ ኣሎ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ስነ ጥበባውያን፣ ጋዜጠኛታትን ብኣውርኡ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዘካይድዎ ዘለው ጻውዒት፣ ስቕታ ይኣክል፣ ኤርትራ ናብ ንቡር ምምሕዳር መንግስቲ ትመለስ፣ ቅዋም ይተግበር፣ እሱራት ይፈትሑ፣ ዝብልን ካልእን ጠለባት ዝሓቖፈ’ዩ።

እዚ፣ ምስልኻ እናተራእየ፣ ብቪድዮ ቀሪጽካ ዝግበር ዘሎ ናይ ይኣክል ጻውዒት፣ በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኤርትራውያን ንዝጸንሐ ፍርሒ ዝቐንጠጠ ኮይኑ ኣሎ።

ገና’ውን ብዙሕ ህዝቢ ክሳተፎን ትጽቢት ይግበር።

እዚ ናይ ይኣክል ጻውዒት፣ ብፖለቲካ ተፈላልዮም ንዝጸንሑ ሓያሎ ወገናት ናብ ሓደ ዘምጽአ፣ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ምንቕስቓስ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0