ኮሌጅ ማይነፍሒ፣ ልዕሊ 1500 ተማሃሮ ተሰጕጎም

ኮሌጅ ማይነፍሒ፣ ልዕሊ 1500 ተማሃሮ ተሰጕጎም

Radio Erena: 13 March 2019

ልዕሊ 1500 ተማሃሮ ቀዳማይ ዓመት ኮሌጅ ማይነፍሒ ተሰጕጎም።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ እቶም ተማሃሮ፣ ናብ ዝቕጽል ንምሕላፍ ድሕሪ ዝተኻየደ ፈተና፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተነግረ ውጽኢት’ዮም ተሰጕጎም።

ኮሌጅ ማይነፍሒ ብኸምዚ ዓይነት ብዝሒ ተማሃሮ ክሰጕግ እዚ ናይ ፈለማ’ዩ።

እቶም ካብ ሳዋ ዝተጸንበሩ ተማሃሮ ብብዝሒ ዝተሰጎጉሉ ምኽንያት፣ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ፣ ብዓይነትን ብቕዓትን ዝወሓዱን ዝጸፈፉን ተማሃሮ ንምሓዝ ካብ ዝብል ሓድሽ መምርሒ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምዕጻው፣ ብዝሒ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምዕባይ ብዝብል ጉልባብ፣ ካብ ሳዋ ጀሚሩ፣ ኣብ ማይ ነፍሒን ብሓውሲ ወትሃደራዊ ምሕደራ ዝእለያ ኮሌጃት ብምኽፋት፣ ኣሽሓት ተማሃሮ ከሰልጥን ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ድሕሪ ምዕጻው ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ክኽተሎ ዝጸንሐ ፖሊሲ ኮሌጃት፣ ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምዘይረኸቦ ብምእማን፣ ከም ሓድሽ ዳግመ ውዳበ ከካይድ ምዃኑ ሓላፊ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ብ/ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ክልተ ኮሌጃት ብምዕጻ፣ ተማሃሮአን ናብ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ከምዘሰጋገሮም ይዝከር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0