ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ደጊሙ ናብ ምርጫ ከምዘይቀርብ ኣፍሊጡ

ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ደጊሙ ናብ ምርጫ ከምዘይቀርብ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 13 March 2019

ብእርጋንን ሕማምን ተሰኒፉ ዝርከብ ፕረዚደንት ኣልጀርያ፣ ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ፣ ንመበል ሓሙሻይ ግዜኡ ደጊሙ ኣብ ምርቻ ከምዘይቀርብ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ዘፍለጠ፣ ድሕሪ’ቲ ኣንጻሩ ዝተኻየደ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ’ዩ።

ካብ 2013 ኣትሒዙ ብሕማም ወቕዒ ዝሳቐ ዘሎ ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ሕክምና ድሕሪምግባሩ፣ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገርን ወጻኢን ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ኣልጀርያ ኣንጻሩ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ’ዮም ወዲቦም።

ኣቲ ን20 ዓመታት ኣብ ስልታን ዝርከብ ፕረዚደንት፣ ንመበል ሃሙሻይ ግዜ ናብ ምርጫ ክቐርብ ምዃኑ፣ ቤት ጽሕፈቱ ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ ድማ እቲ ተቓውሞ እናሓየለ ክመጽእ ጸኒሑ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ’ቲ ዝተኻየደ ሰፊሕ ተቓውሞ ህዝቢ፣ እቲ ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ብዓረብያ ስንኩላን ዝመላለስ ዘሎ ፕረዚደንት ኣብ ምርጫ ከምዘይሳተፍ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ኣልጀርያ ድማ ሓጎሱ ኣብ ምግላጽ ይርከብ።

ፕረዚደንት ቡተፍሊቓ ኣብ ምርጫ ከምዘይሳተፍ ድሕሪ ምፍላጡ፣ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣልጀርያ ዝካየደሉ ግዜ ንዘይተፈልጠ እዋን ተሰጋጊሩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0